Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ትካላት ገንዘብ ገፀር ንምሓጋዝ ዝውዕል 26 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት (ኢፋድ)ን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ትካላት ገንዘብ ገፀር ንምሓጋዝ ዝውዕል 26 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ክገብሩ ኢዮም።

እቲ ሓገዝ ብባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናብተን ትካላት ገንዘብ ዝበፅሕ እንትኸውን፥ እቲ 13 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዩሮ ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት፤ ዝተረፈ ድማ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝርከብ ኢዩ፡፡

ኮቪድ-19 ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘሕደሮ ፅዕንቶ ንምፍታሕን፤ ኣብ ገፀር ክፋል ኢትዮጵያ ዝርከባ ትካላት ገንዘብ ንምሕጋዝ ከምኡ እውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምብርትታዕ ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ዝርከብ ሓገዝ ኣብ ገፀር ዝርከባ ትሑታትን ማእኸለዎትን ትካላት ገንዘብ፣ ሕብረት ስራሕ ማሕራትን ሓረስቶትን ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

በቲ ዝግበር ቐረብ ገንዘብ፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ እውን ፀብፃብ ቢዝነስ ኮሙዩኒቲ የመላኽት፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.