Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 75 ሚሊየን ሰባት ትኹረት ንዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ዝተቓልዑ ኢዮም – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 75 ሚሊየን ሰባት ትኹረት ንዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን፣ ሚኒስትር ትምህርቲን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ምጥፋእ፣ ምቁፅፃር ምክልኻልን ሕማማት በረኻ ኣድሂቡ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ ሴክትረ ትካላትን መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ቀረብ መስተ ማይን ምሕላው ፅሬትን ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክትር ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ወይዘሮ ህይወት ሰለሞን፥ 75 ሚሊየን ዝኾኑ ሰባት ትኹረት ንዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ትኹረት ዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ሕማማት፥ ድምባወ፣ ጊኒ ወርም፣ ቢልሃርዚያን ትራኮማን ይርከቡዎም።

እዞም ሕማማት ምስኣን ብርሃን ዓይኒ፣ ጉድኣት ኣካል፣ ምንካይ መፍረያይነትን ዓቕሚ ምቕባል ትምህርቲን ከምዘስዕቡ ተገሊፁ።

እተን ዳይሬክተር ክሳብ ሕዚ ንምንካይን ንምክልኻልን ሕብረተሰብ ምምሃር፣ ምሕካምን መድሓኒት ምክፍፋልን፣ ምምሕያሽ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ሕማም መመሓላለፍቲ ዘፈራትን ስራሕቲ ምቁፅፃር እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ትኹረት ዘድሊዮም ሕማማት በረኻ ካብቲ ዝፈጥሩዎ ስቓይ ንላዕሊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶኦም ዝዓዘዘ ብምዃኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ኣብ ምጥንኻር ከምዝስራሕ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.