Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዴሞክራሲ እናንቆልቆለ ከምዝኾነ ሓደ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዴሞክራሲ እናንቆልቆለ ከምዝኾነ ቻይናዊ ዩኒቨርስቲ ሬሚንግ ኢኒስቲትዩት መፅናዕቲ ቁጠባዊ ሃፍቲ ቾንግ ያንግ “ንዲሞክራሲ ኣሜሪካ 10 ሕቶታት” ብዝብል ርእሲ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት ከምዝሓበሮ÷ ኣሜሪካ ንዴሞክራሲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምሽፋንን ኣሜሪካውያንን ንምብትታንን ከም መሳርሒ ተጠቂማትሉ እያ፡፡

ፕሮፌሰር ሕጊ ዓለም ለኸ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማሲ ጄኔቫ ኣልፍሬድ ዲ ዛያስ÷ ዝተሰሓሓተ ዜና፣ ታሪክን ዲፕሎማስን ተቀባልነት ኣብ ዝረኸበሉ ዓለም ናይ ሓሶት ዴሞክራሲ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ኣሜሪካውያን ትክክለኛ መረዳእታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፤ ዝደለይዎ ኣመለኻክታ እውን ከንፀባርቁ ይኽእሉ እዮም እውን ኢሎም፡፡

ይኹን እንበር ካብ ዝተፀሓፈ ዲሞክራሲ ብተፃራሪ መንግስቲ እታ ሃገርን መራኸብቲ ሓፋሽ ውልቀን ብዝተዋደደ መልክዑ ነቲ ማሕበረሰብ ሓቂ ብዝመስል መልክዑ ብተደጋጋሚ ከምዘጭበርበሩዎ ፕሮፌሰር አልፍሬድ ዲ ዛያስ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሻት ግምገማ ብምሃብ ዝፍለጡ ኖኣም ቾምስኪ ብግደኦም፥ “እናዓበየ ዝርከብ ዴሞክራሲ ብተፃራሪ፤ ኒው ዮርክ ታይምስን ዋሽንግተን ፖስትን ሓዊሱ ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሻት ሕሶት እናፍረዩን እናከፋፈሉ ይርከቡ” ክብሉ ዴሞክራሲ ኣሜሪካ ብትክክለኛ መገዲ እናተጎዓዘ ከምዘይኾነ ምግላፆም ፀብፃብ ሲ ጂ ቲ ኤን የመላኽት።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.