Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሶሳ ካርድ መረፅቲ ዝቐደደ ውልቀ ሰብ ተቐፂዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ካርድ መረፅቲ ዝቐደደ ውልቀ ሰብ ብገንዘብ እንትቕፃዕ ካሊእ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ዝፈፀመ ውልቀ ሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ፅባሕ ውሳነ ከምዝወሃበሉ ተገሊፁ።

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ምምሕዳር ከተማ ኮማንደር ቡሽራ ኣልቀሪብ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ውልቀ ሰብ ክቕፃዕ ዝኸኣለ ኣብታ ከተማ ወረዳ ክልተ ናይ መሓዝኡ ካርድ መረፃ ኣሕዲጉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምቕዳዱ ኢዩ፡፡

ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፥ እቲ ውልቀ ሰብ 1 ሺሕ ብር ንኽቕፃዕ ውሳነ ከምዘሕለፈሉን ካርድ ዝተቐደዶ ውልቀሰብ ምስ ሓለፍቲ ጣቢያታት መረፃ ብምዝርራብ ድምፂ ንኽህብ ከምዝተገበረን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ካሊእ ውልቀ ሰብ ድማ ናይ ባዕሉ ካርድ መረፃ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝቐደደ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ገሊፆም።

ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ ብፅራሕ ፅባሕ ውሳነ ቤት ፍርዲ ከምዝወሃቦ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ከተማ ኣሶሳ፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም እናተኻየደ ከምዝወዓለ እውን ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.