Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘይርከቡ ተወከልቲ ክልል ትግራይ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከመዝውሰድ ኣፈጉባኤ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘይርከቡ ተወከልቲ ክልል ትግራይ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከመዝውሰድ ኣፈጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ካብ ክልል ትግራይ ዝተወከሉ ኣባላት እቲ ባይቶ ብዜካ ሓንቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣኼባታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዘይተረኸቡ ኣፍሊጦም።

እቶም ተወከልቲ ንኽርከቡ እቲ ባይቶ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ በዚ ዝቕፅሉ እንተኾይኖም ግን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ ኢሎም።

ዝኾነ ይኹን ፀገም ብዘተ፣ ብሕጊን ኣሰራርሓን ክፍታሕ ምግባር እምበር፤ ሃገር ዘፍርስን ሕጊ ዝጥሕስን ተግባር ክፍፀም ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረፃ ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይተ ታገሰ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፥ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ቀረብ ኣቑሑት መረፃ ምዝዛሙ ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ መረፃ ኩሎም ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ማዕረ መወዳደሪ ሜዳ ንክፍጠረሎም ክስራሕ ከምዝግባእ ምግላጦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

መረፃ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንኽሳለጥ ኩሎም ፓርቲታት ዝገብሩዎ ምድላው ወሳኒ ከምዝኾነ ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.