Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘለዉ መገዲታት መፀገኒ ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 386 ሚሊየን ብር ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘለዉ መገዲታት መፀገኒ ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት ልቓሕ 386 ሚሊየን ብር ተፈራሪመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ብምውካል ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ብወገን ጃፓን ድማ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ማትሱናጋ ዳይሱኬ ክታሞም ኣንቢሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ መገዲታት ንምምሕያሽ ዓሊሙ ተግባራዊ ንዝኸወን ፕሮጀክት መፈፀሚ ከምዝኸውን ድማ ኣብ ኤምባሲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.