Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንፅባቐ እዛ ከተማ ኣነ እውን ኣምባሳደር ኢየ” ብዝብል ወፍሪ ልዕሊ 25 ሺሕ መናእሰይ ብምስታፍ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፅሪይቲን ፅብቕቲን ንምግባር “ንፅባቐ እዛ ከተማ ኣነ እውን ኣምባሳደር ኢየ” ብዝብል ወፍሪ ልዕሊ 25 ሺሕ መናእሰይ ብምስታፍ ይስራሕ ምፅራይ ከባቢ እናተሰርሐ ምዃኑ ኤጀንሲ ምምሕዳር ደረቕ ረሳሕ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ንልተ ወርሒ ዝፀንሕ እቲ ወፍሪ ፅሬት፥ ኣርቲስታት፣ ፍሉጣት ውልቀ ሰባት፣ ማሕበረሰብ ስፖርትን ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብን ተሳተፍቲ ክኾኑ ኢዮም ተባሂሉ።

መንግስቲ ደረቕ ረሳሕ ንምእካብን ንምውጋድን ኣብ ዓመት ብር ፍርቂ ሚሊየን ወፃኢ ከምዝገብር ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ደረቕ ረሳሕ ናብ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንምቕያር እናሰርሐ ምዃኑ እውን እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.