Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሕዚ 1 ሺሕን 343 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሕዚ 1 ሺሕን 343 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት ውሽጢ እቶም 138 ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ምዃኖም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ነዙይ መሰረት ብምግባር ኣብታ ከተማ ዝርገሓ እቲ ቫይረስ ብብርኪ ክፍለ ከተማ ዘርኢ ሓበሬታ ኣውፂኡ ኣሎ።

በዚህም በአዲስ አበባ በ24 ሰዓት ውስጥ ቫይረሱ ከተገኘባቸው 138 ሰዎች መካከል 24 ሰዎች የካ ክፍለ ከተማ ፥ 23 ሰዎች ደግሞ ቦሌ ክፍለ ከተማ ይገኛሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ቫይረስ ኮሮና ካብ ሞንጎ ዝተርኸቦም 138 ሰባት፥ 24 ሰባት ካብ ክፍለከተማ የካ፣ 23 ሰባት ካብ ክፍለ ከተማ ቦሌ፣ 20 ሰባት ካብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ፣ 19 ካብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኢዮም

ብሓፈሻ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ 375 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ 188 ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ 176 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.