Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 67 ሓደሽቲ ኣውቶቡሳት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ሕፅረት ትራንስፖርት ንምቕራፍ 67 ሓደሽቲ ኣውቶቡሳት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዋ ቢሮ ትራንስፖርት እታ ከተማ ገሊፁ።

እተን ኣውቶቡሳት ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምዝተዓደጋን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ትራንስፖርት ባሕሪ ከምዝርከባን ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዳዊት ዘለቀ (ኢ/ር) ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራን ፅገና ዝተገበረለንን ሓዊሱ 1 ሺሕን 100 ተሽከርከርቲ ኣብ ስራሕ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣገልግሎት ፐብሊክ ሰርቪስ ዝህባ ኣውቶቡሳት ኣገለግሎት ትራንስፖርት ይህባ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ኣስታት 100 ዝኾና ኣውቶቡሳት ካብ ቢሸፍቱ ኣውቶሞቲቭን ማእኸልን ፅገና ተገይሩለን ኣብ ቀፃሊ ናብ ስራሕ ከምዝኣትዋ ተሓቢሩ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.