Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፈፃፅማ ምድንፋዕ ፍርያት መንፈቕ ዓመት ኢንዱስትሪ መዓድን 91 ሚኢታዊ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ምድንፋዕ ኢንዱስትሪ መዓድን ኣፈፃፅምኡ 91 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኸኣለ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ÷ ኣብቲ ፍርቂ ዓመት ዓበይቲ ኣፍረይቲ መዓድን ዝተውሃቦም ፍቓድ ትሕዝቶ ምፍራይ መዓድን ብምሕላው ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ገሊፁ።

ብመንፅር መዓድን ሓፂን ብ ትሽዓተ ኩባኒያታት 440 ቁራጻት ሓፂን ምልዓል ዝተኸኣለ እንትኸውን÷ በዚ ድማ 6 ነጥ 3 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኸኣለ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መንፈቕ ዓመት 88 ነጥቢ 9 ቶን ታንታለምን 1 ሺሕን 895 ኪሎ ግራም ወርቂን ብኩባኒያታትን ባህላዊ ኣፍረይቲን ከምዝፈረየ እቲ ሚኒስቴር ኣፍልጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.