Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝህነፅ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዲዛይን ህንፀት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኤፍ ኤች ኢ ሲ ኩባንያ ቻይና ብምትሕብባር ዘህንፆ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዲዛይን ህንፀት ዕለዊ ተገይሩ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ÷ ነቲ ፕሮጀክት ዝኸውን መሬት ብእዋናዊ ዋጋ ሊዝ ኣስሊሑ ከምዘቕረበ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኤፍ ኤች ኢ ሲ ኩባንያ ቻይና ደማ ግዚኡ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ፣ ፋይናንስን እታወትን ብምቕራብ ህንፀት ከምዝሳለጥ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ከባቢ ጎተራ ዝህነፅ እቲ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዘበን ዘፍረዮም ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ዝህነፅ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ውሽጡ ድማ ዓለም ለኻዊ ዞባ ንግዲን ኢኮኖሚን፣ ዞባ ትምህርቲን ባህሊን፣ ዞባ ፋይናንስን ቢዝነስን ከምኡ እውን ዞባ ዘበናዊ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘካትት ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት÷ ናብታ ከተማ ዝመፅኡ ቁፅሪ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ብምውሳኽ ዓለም ለኻዊ ግደኣ ከምዘድንፍዕ ተኣሚኑሉ ኣሎ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.