Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬኒያ ኣባላት ስድራቤት ዝኾኑ 48 ሰባት ኮቪድ-19 ተረኺቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኬኒያ ኣባላት ሓደ ስድራቤት ዝኾኑ 48 ሰባት ኮቪድ-19 ከምዝተረኸበቦም መራኀብቲ ሓፋሽ ኬኒያ ፀብፂበን።

ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ከምዝገለፆ፥ ሓደ ኣባል እቲ ስድራቤት ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ገይሩ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ኣባል እቲ ስድራ ዝኾኑ ወዲ 80 ዓመት ሽማግለ ሓዊሱ ክሳብ ሰራሕተኛ ገዛ ዘለዉ ኩሎም ኣባላት ስድራቤት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተሓቢሩ።

ጎርዶን ኦጎላ ዝተብሃለ ኣባል እቲ ስድራቤት፥ “ወዲ 61 ዓመት ዓቢዪ ሓወይ እቲ ሕማም ክፃወሮ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ህይወቱ ሓሊፉ ኢዩ” ኢሉ።

ኬኒያውያን ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መንግስቲ ዘቐመጦም ተግባራት ብኣግባቡ ተግባራዊ እናገበሩ ከምዘይኮነ ይዝረብ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ስድራቤት ዝተፈጠረ ኣጋጣሚ ኬኒያውያን ክመሃሩሉ ይግባእ ክብላ ዴይሊ ኔሽንን ዘ ስታርን ፀብፂበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.