Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ኣክዋ ፓወር ስዑዲ ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኣክዋ ፓወር ስዑዲን ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት መንግስቲን ውልቀ መሻርኽቱን፥ ጋድን ዲቼቶን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ክልቲአን ክልላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ብ300 ሚሊየን ዶላር ኤሜሪካ ዝፍፀም እንትኸውን፥ 250 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.