Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 2 ሚሊየን ሰባት ማሕበራዊ ደገፍ ከምዘድሊዮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 2 ሚሊየን ሰባት ማሕበራዊ ደገፍ ከምዘድሊዮም ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ትካል ኣብ ክልቲአን ክልላት ዝገበሮ ርካቦት መፅናዕቲ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ትካል ኣይተ ዘውዱ ወንድም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብተን ክልላት ብምኽኒያት ዝነበረ ኲናት ዝተጎድኡ ሰባት መሊስካ እግሪ ንምትካል ካብ መንግስቲ ክቐርቡ ዝግበኦም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ኣገልግሎታት ትኹረት ብምግባርን ደረጃ እቲ ጉድኣትን ዝምልከት መፅናዕቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ መፅናዕቲ ኣርባዕተ ጉጅለታት ብምጥያሽ ኣብ ትሽዓተ ዞባታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መፅናዕቲ፥ ልዕሊ 1 ሚሊየንን 855 ሺሕ ሰባት ማሕበራዊ ደገፍ ከምዘድሊዮም ምፍላዩ እውን ተገሊፁ።

ኣበተን ክልላት ዕድሚኦም ካብ 8 ህፃን ክሳብ ዓበይቲ ዘለዋ 1 ሺሕን 217 ሰባት ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመሎምን ጉድኣት ስነ ልቦና ከምዘጋጠሞምን ኣብቲ መፅናዕቲ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕል ትካላት ሃይማኖት፣ ንብረት ውልቀ ሰባት፣ መነገስታዊን ዘይ መንግስታዊት ትካላት ዕንወት ንብረት፣ ወራርን ባርዕን ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ብድምር ኣብተን ክልላት ልዕሊ 2 ሚሊየን ሰባት ማሕበራዊ ደገፍ ከምዘድሊዮም ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.