Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ፖለቲካዊ ንምግባር ዝፅዕሩ ኣካላት ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ መንግስቲ ካውንስል ኣትላንቲክ ማእኸል ኣፍሪካ ኣብ ዘዳለዎ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ዘተሓሳሰቡ ጉዳያት ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ ዘተ ዝተወሰኑ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካን ምምሕዳር ጆ ባይደንን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ሬድዋን ሑሴንን ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ተስፋሁን ጎበዛይ ተሳቲፎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ክልል ትግራይ ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሳ እናተመለሰት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልምዲ ህዝቢ ናይ ምምላስን መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ናይ ምጀህናፅን ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብ መብርሂኦም ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሊዮም ዜጋታት ትኽክለኛ ቁፅሪ ንተሳተፍቲ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተጋኒኑ ከምዝቐርብ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ክልል ብፕሮግራም ሴፍቲኔት ተሓቒፎም ዝነበሩ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 700 ሺሕ ዜጋታት እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ናብ ፀገም ከምዝተቃልዑ ተሓቢሩ።

ኣብታ ክልል ዝርከቡ 92 ማእኸላት መከፋፈሊ ብምጥቃም ን1 ሚሊየን 46 ሺሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ።

መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት እናቕረበ ከምዝርከብን ኣብቲ ክልል መንግስቲ ብዘቐመጦ መምርሒ መሰረት ብምግባር ዑደት ክገብሩ ንዝደልዩ ኣካላት ምድላው ከምዝተገበረ እውን ንተሳተፍቲ ተገሊፁ።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፥ ትካላት ተራድኦን ዓለም ለኸ ትካላትን እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ንምግባር ዝገብሩዎ ፃዕሪ ኮኒኖም።

ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ሓገዝ እናተገበረሎም ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሓለፍቲ፥ ብማሕበረሰብ ዓለምን ውሽጢ ሃገርን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐረበ ናይ ሕሶት ወቐሳ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.