Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 500 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘርኢ ተሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብስርናይ መስኖ ሓጋይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ቢሮ ሕርሻ እታ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብታ ክልል ስርናይ መስኖ ሓጋይ ዘርኢ ናይ ምሽፋን ስራሕ ተጠናኺሩ ዝቐጸለ ኮይኑ÷ ሓጋይ ብስርናይ መስኖ ናይ ምሽፋን ስራሕቲን ምእካብ ምህርቲ ቀውዕን ዘለዎ ብርኪ ተራእዩ፡፡

በዚ ድማ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ኦሮሚያ ጌቱ ገመቹን ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሴክተርን ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ዶዶታ ብክላስተር ዝተዳለወ ዝራእቲ ስርናይ ተዓዚቦም፡፡

ኣብታ ክልል ብስርናይ መስኖ ሓጋይ 1 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ንምሽፋን ትልሚ ተታሒዙ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 700 ሽሕ ተሓራሲ መሬት ምድላዉን ልዕሊ 500 ሽሕ ሄክታር መሬት ድማ ብዘርኢ ምሽፋኑን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ኣብ ዝተረፈ ናብ ሓደ ወርሒ ዝፅጋዕ ግዘ እውን እቲ ዘሎ ንምሽፋን ይስራሕ ምህለዉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዞባ ኣርሲ ድማ 100 ሽሕ ሄክታር ብዘርኢ ንምሽፋን ዝተተሓዘ ኮይኑ÷ ክሳብ ሐዚ 46 ሽሕ ክሽፈን ተኻኢሉ እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.