Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታን ተመዛበልቲ ወገናትን ዝውዕል ሓገዝ 8 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊን ተመዛበልቲ ወገናትን ዝውዕል ሓገዝ 8 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ገይሮም።

ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒሰስቴር ባህሊን ስፖርትን ብሓባር ብምዃን 5 ሚሊየንን 300 ሺሕን ብር ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልኡኽ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም፡፡

እቲ ሓገዝ ድማ ኣመራርሓ 6ይ ክፍለ ሰራዊት መካናይዝድ ኮለኔል ኣደራጀው ሞላ ተረኪቦምዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ጉድኣት ንዝበፅሖምን ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ዝውዕል 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ዝተፈላለዩ ሓገዝ ዓይነት ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፥ ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሙዚና ዓብዱርቃድር ንዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ኣሲያ ከማል ኣረኪበን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.