Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ተለኣኣኽቲ ዝነበሩ 24 ዕጡቓት ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ተለኣኣኺ ዝኾነን ንባዕሉ ግምባር ናፅነት ጋምቤላ (ግናጋ) ኢሉ ዝፅውዕ ውድብ ኣባላት ዝነበሩ 24 ዕጡቓት ኢዶም ብሰላማዊ መገዲ ሂቦም።

ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሻኔን ተለኣኣኺ ብዝኾ ግናጋ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ብምትላል ናብቲ ጉጅለ ተፀምቢሮም ዝነበሩ ሰባት፥ ዕላማ እቲ ጉጅለ ሃገር ምፍራስ ምዃኑ ብምግንዛብ ኢዶም ክህቡ ክኢሎም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣቡላ ኡቦንግ ከምዝገለፁ፥ እቲ ጉጅለ ሽርሒ ምፍራስ ሃገር ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሓንፂፁ ምንቅስቓሱ ብምቅዋም ብሰላማዊ መገዲ ኢዶም ሂቦም ኢዮም።

ብዝኸሰረ ናይ ሕሶት ተረኽ ጁንታ ህወሓትን ሸኔን ተሰሓሒቶም ናብ ጫካ ኣቲዮም ከምዝነበሩ እውን ገሊፆም፡፡

ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንላዕሊ ሰላማዊ መገዲ ምኽታል ንኹሉ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.