Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ንህዳሰ ግድብ ዝኸውን ልዕሊ 71 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ንዓብዪ ህዳሰ ግድብ ዝኸውን ልዕሊ 71 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ።

ክፍለ ከተማ ልደታ ንክፍለ ከተማ ኣራዳ ዋንጫ ህዳሰ ግድብ ዘረከበ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ብምክትል ከንቲባ መዓርግ ኣተሓባባሪ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ሓዊሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ኣይተ ጃንጥራር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ 2012 ዓ.ም ዕዉት ዲፕሎማሲ ዝተመዝገበሉን ቀዳማይ ብርኪ ምምላእ ማይ ዝተፈፀመሉን ዓመት ኢዩ።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት እቲ ፕሮጀክት ንምዝዛም ሐዚ እውን ናይ ኩሉ ሰብ ምትሕብባር የድሊ ኢሎም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ንህዳሰ ግድብ ዝኸውን ልዕሊ 71 ሚሊየን ብር ምእካቡ ምንቕናቕ ህዝቢ ብዝግባእ ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢሎም።

በዚ እውን መላእ ነበርቲ እቲ ክፍለ ከተማ፣ ኣመራርሓን ሰብ ሃፍቲን አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.