Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ዝተሃነፀ ህንፃ ንተጠቀምቲ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 4 ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ዝተሃነፀ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ተመሪቑ ንተጠቀምቲ ተመሓላሊፉ።

እቲ ህንፃ ጊፍት ሪል እስቴትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ዘህነፁዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ወናኒ ጊፍት ሪል ስቴት ገብረየሱስ ኢጋታን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣለምፀሃይ ሽፈራውን ብሓባር ብምዃን እቶም ገዛውቲ ንተጠቀምቲ ኣረኪቦምዎም፡፡

እቶም ኣባይቲ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ተሃኒፆም ዝተዛዘሙ እንትኾኑ÷ ካብ ስቱዲዮ ጀሚሩ በዓል ሓደን ክልተን መደቀሲ ዘካተቱ ኢዮም።

ብማህሌት ተ/ብርሃን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.