Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ፈለማይ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ኢሮብ ፈለማይ ዝኾነ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተጣይሹ።

ኣብቲ መድርኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣይተ ሰሎሞን ኣብርሃ፥ እታ ዩኔን 26 ሕዳር 2012 ዓ.ም ከምዝተጣየሸትን “መሰረታዊ ሕብረታት ስራሕ ማሕበራትና ናይ ዕደጋ ቀረብን እታወታትን ክፍታሕ እዩ” ዝብል መሪሕ ቃል ከምዘለዋን ገሊፆም።

ክሳብ ሐዚ ዩኔን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዘይብላ ወረዳ ኢሮብ ጥራሕ ከምዝነበረትን ናይዚ ምኽንያት ድማ ሕፅረት መበገሲ ገንዘብ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆምም።

ኣብ ምጥያሽ እታ ማሕበር ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ከምዘጋጠመ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ሐዚ ግና ካብ ትእምት ብዝተረኸበ ብር 300 ሺሕ ሓገዝን ብድጋፍ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክትምስረት ከም ዝኻኣለት ገሊፆም።

እታ ዩኒየን ካብ ሕዚ ንደሓር ናይ ባዕላ ድልዱል ዓቅሚ ክትፈጥር ከምግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ አይተ ንጉሰ ሓጎስ ብግደኦም፥ እታ ማሕበር ቅድም ኢላ ዘይምምስራታ ብርክት ዝበሉ ክትረኽቦም ዝግብኣ ረብሓታት እንተይረኸበት ምፅንሓ ገሊፆም።

ኣባላት እታ ማሓበር ጠንኪሮም እንተሰሪሖም እኹል ተረባሓነት ከም ዝረክቡ ተረዲኦም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእን ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረኽ ምስረታ፥ ኣማራርሓታት ቦርድ እታ ማሓበር ከምዝተሾሙ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.