Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውድድር ፍፃሜ ድምፃውያን ጎብለላት ፋና ላምሮት መቕደስ ግርማ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውድድር ፍፃሜ ድምፃውያን ጎብለላት ፋና ላምሮት መቕደስ ግርማ ተዓዊታ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር ፍፃሜ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
“ተወዳደርቲ ኣብዚ መድረኽ ክትበፅሑ ምኽኣልኩም እንኳዕ ደስ በለኩም” ኢሎምዎም።
ፋና ላምሮት ኣብ ቴሌቪዥን ካብ ሞንጎ ዝመሓላለፉ ፕሮግራማት ሙያን ሙያተኛታትትን ሓደ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ኣይተ ኣድማሱ ኣብ መልእኽቶም፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ እዋናዊ፣ መዘናጋዒን ብሓበሬታ ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍጣርን ከምዝሰርሕ ኣገንዚቦም።
ርብዒ ክፍለ ዘበናት ዝሓለፎ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ ኣብ ቀረባ እዋን ተፈተውቲ ዝኾኑ ሓደሽቲ መደባት ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብፈነወ ቴሌቪዥን መደብ ቋንቋ ዓረብኛ ከምዝጅምር ገሊፆም።
ንዳያኑ፣ ሓፂር መልእኽቲ ስልኪ ብምልኣኽ ንዝተሳተፉ ተመልከትቲን ምስቲ ትካል ሓቢሮም ኣናሰርሑ ዝርከቡ ትካላትን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ውድድር ድምፃውያን ፋና ላምሮት ን10 ተኸታተልቲ ዙራት ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ ውድድር ፍፃመ መበል 11 ዙር ኢዩ።
ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውድድር ፍፃመ፥ መቅደስ ግርማ፣ ዮናታን ንብረት፣ ግዛቸው ሙላቱ፣ ኤልያስ ተሾመ፣ ኤልያስ ተክለኃይማኖትን ሰለሞን ጥጋቤን ተነሓኒሖም።
ብመሰረት መቅደስ ግርማ ፅዋዕን ብር 500 ሺሕን ብምውሳድ ተዓዊታ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.