Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለባን ውፅት ዓለባን ዝተዋፈሩ ኩባኑ,ኒያታት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ገዚፍ ፋብሪካ ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ዓለባን ውፅት ዓለባን ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ገዚፍ ፋብሪካ ዓለባ ተረኺቦም ተዓዚቦም።

ኣብ መበል 38 ዓለም ለኸ ኤግዚቪሽን ንግዲ ካርቱም ኣብ ዓውዲ ውፅት ቆርበትን ዓለባን ዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ኢትዮጵያ፥ ኣሎማር ግሩፕ ዝተብሃለ ኣብ ከባቢ ሶባ ሱዳን ዝርከብ ገዚፍ ፋብሪካ ዓለባን ኢዮም ዑደት ገይሮም።

እቲ ኩባኒያ ጥረ ኣቑሑት ካብ ህንዲን ካልኦት ሃገራትን ብምምፃእ ዝጥቀም እንትኸውን፥ ካብ ማእለማ ጀሚሩ ክሳብ ምፍራይ ጨርቀመርቂን ዓለባን ዘሎ ከይዲ ዝሰርሕ ኢዩ፡፡

ነዚ ስራሕ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዘበናዊ ማሽናት ብምዕዛብ ጠቐምቲ ልምዲታት ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ዘተ ተኻይዱሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.