Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘፈር መዓድን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘፈር መዓድን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ብምትኳር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኢንዱስትሪን ንምትእስሳር ሚኒሰስቴር መዓድን ዘሰናደኦ መድረኽ ኢዩ።

ሙሁራን እቲ ዓውዲን ፕሬዚዳንታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝተረኸቡሉ እቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር መዓድን ብመደረ ከፊቶምዎ።

ኣብ መደረኦም ድማ እቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ንኽጉልብት ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ምትእስሳር ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብግደኦም፥ ፍልጠት ማእኸል ዝገበሩ ኢንዱስትሪታት ኣብ ምልማዕ ሰፊሕ ርሕቐት ክጓዙ ከምዝኽእሉን ዘፈር መዓድን እውን እዚ ከምዘድልዮን ኣብሪሆም።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘመርቑዎ በዝሒ ሓይሊ ሰብ ዘይኮነስ ብፅቱን ኣብ ፍሉይ ዓውዲ ትኹረት ገይሮም ምስረሖም ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.