Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 916 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም፤ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ዘፈራት ሕርሻ፣ መመምረትተን ፍርያት መኣድንን 916 ነጥቢ 21 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ተረኺቡ።

ኣብቶም ዝዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋር 1 ነጥቢ 07 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተተሊሙ ኢዩ 916 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ክርከብ ከምዝኸኣለ ዝተገገለፀ።

እቲ ኣፈፃፅማ ምስ 2011 ዓ.ም ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ዝተረኸበ 814 ነጥቢ 73 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ እንትነፃፀር፥ ናይ 101 ነጥቢ 48 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወሰኽ ከምዘለዎ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ በጀት ዓመት ልዕሊ ዝተትሓዘሎም ትልሚ ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ፍርያታት ንግዲ ወፃኢ፥ ዕምበባ፣ ፍርያታት ኣዝርእቲን ቃንጫን፣ ዕጣን፣ ጫትን ኤሌክትሪክን ኢዮም።

ካብ ዝተትሓዘሎም ትልሚ ካብ 75 ክሳብ 99 ሚኢታዊ ዘመዝገቡ ፍርያታት ቀላሚጠስ፣ ዝራእቲ ጥራጥረ፣ ጨርቃጨርቂን ዓለባን፣ ሽምዒ፣ ቡን፣ ታንታለምን ናይ ቅብኣት ዝራእቲን ምዃኖም ተገሊፁ።

ፍርያታት ኣትክልቲን ፍረምረን፣ ስጋ፣ ቆርበትን ኣንጋረን፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ እንስሳት፣ ፀባን ውፅኢት ፀባን ከምኡ እውን ቆፅሊ ሻሂ ድማ፥ ካብ ዝተትሓዘሎም ትልሚ ካብ 50 ክሳብ 74 ሚኢታ ዘመዝገቡ ምህርቲታት ኢዮም።

ካብ መንፅር ዝተትሓዘሎም ትልሚ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ትሕቲ 50 ሚኢታዊ ዝኾነ ትሑት ኣታዊ ዘመዝገቡ ፍርያታት ንግዲ ወፃኢ ድማ፥ ምግቢ፣ መስተን ፋርማሲቲካልስን፣ መዓር፣ እታወታት ኬሚካልን ኮንስትራክሽንን፣ ቕመማ ቕመም፣ ዓሳ፣ ወርቂን ሓፂነ መፂንን ምዃኖም ካብ እቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.