Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ገንዘብ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝወፅአ ገንዘብ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ሃፍቲ ኣብ መሓዉር መንግስቲ ዝነበሩን ምስኣቶም ርክብ ብዝነበሮም ሰብ ሃፍቲን ኣቢሉ ካብ ሃገር ክወፅእ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣፈፃፅማ መደባት 11 ኣዋርሕ ዓመተ 2011 ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተቕርቡ፥ እቲ ካብ ሃገር ዝወፅአ ገንዘብ ንምምላስ ምስ ዝተወሰኑ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ምግላፆም ይዝከር።

ስለዝኾነ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እቲ ሃፍቲ ንምምላስ ዝተኸየደ ርሕቐት እንታይ ከምዝመስል ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ዳይሬክተር ጉዳያት ርክብ ህዝቢ ኣይተ ዝናቡ ቱሉ፥ እቲ ሃፍቲ ብእኒ መንን ኣበይ ከምዝተቐመጠን ዘርእይ መፅናዕቲ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ብገበን ዝተረኸበ ሃፍቲ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ብዘይምንባሩ ኣብ ከይዲ ፀገም ፈጢሩ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ሃፍቲ ዘምልስ ዳይሮክቶሬት ከምዝተጣየሸ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ ብሕጊ ንምሕታት ትኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ከይዲ እቲ መርመራ እንትዛዘም ብእኒ መንንን ኣበይ ሃገር ከምዘሎን ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር እውን ኣብሪሆም።

ብጌታሰው የሽዋስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.