Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም 106 ሰባት ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ዝተገበረሎም 106 ሰባት ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ለውጢ ዋላ እንተዘይሃለወ፤ ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአ ዘሎ ምዝንጋዕ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ብቅልጡፍ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህሪ ከየበኣእሶ ናይ ሓባር ስራሕ ከምዝሓትት ኣብሪሁ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ኩሎም መእተዊ በሪታት 6 ሚኢቲን 68 ሺሕ ሰባት ናብ ውስጢ ሃገር ከምዝኣተዉ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢኒስቲትዩት ዶክተር ኤባ ኣባተ ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ 474 መገደኛታት ንኽልተ ሰሙን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ኮይኖም ክትትል ምግባር ምጅማሮም ኣይተ ኤባ ገሊፆም።

ምስቲ ቫይረስ ንኽክእ ዘለዎም ሰባት ናይ ምምርማር ስራሒቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብ ውሽጢ ቀረባ መዓልቲ ድማ ክልተ ተወሰኽቲ ትካላት ላብራቶሪ ውፅኢት ምርመረአን ዕላዊ ክገብራ ኢየን ኢሎም።

ካብ ኣሜሪካ ዝመፅኡ ኩባኒያታት ኣፍረይቲ ኣቑሑት መመርመሪ ፍቓድ ስለዝተውሃቦም፥ ክሳብ ክልላት ዝበፅሕ መመርመሪ መሳርሒ ንኸፍርዩ ብምግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ሕፅረት ኣቑሑት መመርመሪ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.