Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 9 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 580 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
 
በቲ ዝተገበረ ምርመራ ትሽዓተ ሰባት ብቫይረስኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ሚኒስትር ጥዕና ወይዘሮ ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
 
እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዕድመኦም ካብ 17 ክሳብ 66 ዝኾኑ 5 ደቂ ተባዕትዮን 4 ደቂ ኣኒስቲዮን ኢዮም ኢለን።
 
እቶም ሓሙሽተ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣርባዕተ ካብ ጅግጅጋ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበሩ ከምዝኾኑ እውን ገሊፀን።
 
ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ቫይረስ ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሐዚ 45 ሺሕን 278 ሰባት ምርማራ ላቦራቶሪ ዝተገበረሎም እንትኸውን፥ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 272 ምብፅሑ ዶክተር ሊያ ተዛሪበን።
 
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.