Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ብብርኪ ሃገር 3  ነጥቢ 2  ሚሊየን ሰባት ብዓሶ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ብብርኪ ሃገር ምርመራ ካብ መንጎ ዝተገበረሎም 10 ሚሊየን ሰባት እቶም 3  ነጥቢ 2  ሚሊየን ብዓሶ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ምስቅስቓስ ሰባት ስዒቡ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ሕማም ክህሊ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብ ምዕራብን ደቡብን ልዑል ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ጉዲሳ ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሰሙን ክሳብ 70 ሺሕ ሰባት በቲ ሕማም ይተሓዙ ኣለዉ።

ይኹን እንበር ኣብ ወርሒ ጥሪ ምስ ዝነበረ ኩነታት እንትነፃፀር ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ 5 ክሳብ 10 ሚኢታዊ ምቕናስ የርእይ ምህላዉ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ክራማት ምስ ምዃኑ በቲ ሕማም ዝልከፍ ሰብ ክበዝሕ ስለ ዝኽእል ጥንቃቀ ንክግበር ምዒዶም።

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.