Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተሃነፁ ሓደሽቲ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዝተዘርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ዝሰረቑ ተጠርጠርቲ ኢድ ብኢድ ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተሃነፁ ሓደሽቲ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዝተዘርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ዝሰረቑ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረሎም ምዃኑ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣፍሊጡ።

ሰለስቲኦም ተጠርጠርቲ እቲ ገበን ክፍፅሙዎ ዝኸኣሉ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 11 ልደታ ሳይት ዝተሃነፁ ሓደሽቲ ናይ ሓባር ኣባይቲ ኢዩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባት ካብ ሞንጎ ዝተሃነፁ ህንፃታት ብር 500 ሺሕ ዘውፅእ ኬብል ኤሌክትሪክ ቆሪፆም ንምምላጥ እንትፍትኑ ኢድ ብኢድ ብኣባላት ፖሊስ ከምዝተትሓዙ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.