Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባታት ምብራቕ ጉጂን ምብራቕ ቦረናን ናይ ዝንቀሳቐስ ክንፊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኢዶም ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕ ጉጂን ምብራቕ ቦረናን ናይ ዝንቀሳቐስ ክንፊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል እናሃቡ ምዃኖም ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ጉጂ ሓላፊ ዘፈር ሎጅስቲክስን ፖለቲካን እቲ ጉጅለ ዝነበረ ገመዳ ዱጎ ብናይ ሳጓ ሽሙ ሎንግ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ውልሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ኢዱ ምሃቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሓላፊ ሓበሬታ ሻለቃን ዘፈር ፖለቲካን ዱቤ በሪሶ ወይ ድማ ኣባጨብስ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ሓዊሱ ካልኦት ሓዊሱ ካልኦት ሸውዓተ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሰሙን ኢዶም ሂቦም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊ ዕላማ ንህዝቢ ኣብ ምስቓይን ምዝራፍን ተግባር ዝተዋፈረ ብምዃኑ  ምስቲ ጉጅለ ዘለዎም ርክብ ብምቁራፅ ንሰራዊት ምክልኻል ኢዶም ከምዝሃቡ ተገሊፁ።

ኣብ እዚ ደቡብ ኣዛዚ ኮር ኮሎኔል ግርማ ኣየለ÷ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ጉጂን ምብራቕ ቦረናን እናተወሰደ ብዘሎ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን እ ጉጅለ ትርጉም ናብ ዘይህብ ብርኪ እናወረደ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም።

ምንቅስቓስ ንምግታእ እናተገበረ ብዘሎ ፃዕሪ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ብፅሒቱ እናተዋፅ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣብቲ ከባቢ መንግስታዊ ግልጋሎታት ሓዊሱ ስራሕቲ ልምዓት ብዘይምንም ምትእጉጓል እናተወገነ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.