Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግዝኣት ኮሎራዶ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ክሕደት ዝኹንን ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ዴንቨር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ክሕደት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ግዝኣት ኮሎራዶ ኣደባባይ ስቴት ካፒቶል ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ ብኣተሓባባራይነት ኮሚዩኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኮሎራዶ፣ ሲቪክ ካውንስል ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን፣ ፈተውቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ኢትዮጵያን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ልዕሊ 500 ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣባላት ዳያስፖራታት ዝተሳተፉሉ ሰልፊ እንትኸውን፥ ገበነኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኩነታት ክግንዘብን ንደገፍቲ እቲ ጉጅለ ካብ ዘበረታትዑ ቅዋማት ክቑጠብን ፀዊዖም።

እቶም ሰልፈኛታት ንተመራፂ ሴኔትን ኣባላት ኮንግረስን ከምኡ እውን ናብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማታትን ካልኦት ትካላት ፖለቲካ ኣሜሪካን መግለፂ ቅዋሞም ብምእታው ሰላማዊ ሰልፎም ከምዝዛዘሙ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.