Fana: At a Speed of Life!

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ዝተረኸቡ 9 ውልቀሰባት ብገንዘብ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ዝተኸሰሱ ትሽዓተ ውልቀሰባት ቅፅዓት ገንዘብ ተበይኑሎም።

እቶም ወልቀሰባት 9 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ፀባብ ኣብ ዝኾነት ሓንቲ ክፍሊ ውሽጢ ጫት እናቐሓሙ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ ብመሰረት ኣዋጅ ህፁፅ እዋንን ነቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዝወፅአ ደምቢን ብምትሕልላፍ ጫት ስለዘቕሓሙን ካብ ኣርባዕተ ሰባት ንላዕሊ ስለዝተኣከቡን ተኸሲሶም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኢዮም።

ዓቃቢ ሕጊ ድማ መዝገብ ምርመራ መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ መሰረት ብምግባር፤ መረዳእታታት ሰብን ሰነድን ብምጥንኻር ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣቕሪቡ።

ቤት ፍርዲ ብግድኡ፥ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ተኸሰስቲ እቲ ገበን ምፍፃሞም ብዝርዝር ብምእማኖም 19 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብዝወዓለ መጋባእያ ነኒሕድሕዶም ብር 3 ሺሕ መቕፃዕቲ ንኽቕፅኡዑ ወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዝወፅአ ኣዋጅ ተመሓላሊፎም ዝተረኸቡ 78 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.