Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብምዃን ሎሚ መዓልቲ ተሸይሞም።

እቲ ሹመት ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝፀደቐ እንትኸውን፥ ኣይተ ሽመልስ ሎሚ መዓልቲ ቃለ ማሕላ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብምዃን ዝተሾሙ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ንክኾና ናብቲ ጨፌ ኣቕሪቦም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብቲ ጨፌ ኣብ ዝገበርዎ ዘረባ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓድነት ህዝቢ ክጠናኸርን ፀገም ሕብረተሰብ ንክቕረፍን ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ሕግታትን ደምቢታትን ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓረስታይን ሰበኽ ሳግምን መሰረት ብምግባር ክዳለዉ ኢዮም ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ በዚ ኣቢልካ ኢኮኖሚ፣ እወንታዊ ርክብ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ህፁፅ ኣኼብኡ፥ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምዃን ከምዝተሾሙ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.