Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ኣኒከን ሁይትፌልድት ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እናተርኣዩ ዝርከቡ ለውጢታት ብምምልካት ነተን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ገለፃ ገይሮምለን።

ኖርዌይ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮይና ምምራፃ ስዒቡ ድማ ናይ እንኳዕ ደስ በለክን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም፥ ኖርዌይ ፕሬዚዳንትነት እቲ ቤት ምኽሪ ተጠቒማ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናሰርሖ ዝርከብ ተግባር ሚዛናዊን ምኽንያታዊን ብዝኾነ መልክዑ ከምትምልከቶ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ኣኒከን ሁይትፌልድት ብግደአን፥ ኣይተ ደመቀ ንዝሃቡወን መብርሂ ብምምስጋን ፃዕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢደን።

ኖርዌይ ኣብ ቀፃሊ ንኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ዛዕባ ናይ ምግባር ትልሚ ከምዘይብላ ምግላፀን እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.