Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ምስ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ምስ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ክሊ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ጠመተ ዝበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ጌታቸው፥ ኣብ ትግራይ ስሩዕ ቤት ምኽሪ ብዘይምህላዉ ዘሎ ሓጓፍ ንምምላእ ኣማኻሪ ካውንስል ምጥያሽ የድሊ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ሙሉእ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብዘረጋግፅ መልክዑ ንምጥያሽ ኣወዳድብኡ ብዝምልከት ርኢቶ ተሳተፍቲ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ክሊ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ምስ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ሲቪኽ ማሕበረሰብ፣ ኣባላት ፀጥታ፣ ምሁራትን ካብ ብሄራት ኢሮብን ኩናማን ምስዝመፅኡ መድረኽ ዘተ ምክያዱ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.