Fana: At a Speed of Life!

ኣይ ኤም ኤፍ ንኢትዮጵያ ሓገዝ 411 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቦርድ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ ) ብምዕቐፍ ኣሰራርሓ ቅልጡፍ ገንዘባዊ ሓገዝ እቲ ትካል ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ሓገዝ 411 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ።

ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንምጥንኻር ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስረትር ዶክተር ኣቢይ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዘድልያ መጠን ገንዘብ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝሽፍን እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ፅሑፎም፥ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብን ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካል ክሪስታሊና ጆርጂየቫን ኢትጵያ ቫይረስ ኮሮና እናመከተት ኣብትርከበሉ እዋን ኣብ ጎና ብምዃኖም ኣመስጊኖም።

ቦርድ ኣይ ኤም ኤፍ፥ ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ሕዳር ንመመሓየሺ መርሃግብሪ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝኸውን ሓገዝ ምግባሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.