Fana: At a Speed of Life!

ኤግዚብሽን ዲፕሎማሲ ሰሙን ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 2 ክሳብ 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም ንኽካየድ ተዓሊሙ ዝተኸፈተ  ኤግዚብሽን ዲፕሎማሲ ሰሙን ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናውሐ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም (ዶ/ር)፥ እቲ ኤግዚብሽን ዝተናወሐሉ ምኽኒያት ጊዘ ሂብካ ንዑደት ገበርቲ ዕድል ንምፍጣር፣ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ስዒቡ ዝመፅኡ መራሕቲን ተወከልቲን ታሪክ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንምርኣይን በዚእውን ኣማራፅታት ርክብ ዲፕሎማሲ ንምስፋሕ ተሓሳቢ ተገይሩ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንማእኸል ኣፍሪካ፣ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላላትን ዲፕሎማቲክን ዝርከባላ ከም ዕድል ዘይኮነስ ብብዙሕ መስዋእትነት ዝተረኸበ ከምዝኾነ ነዚ ምሕላው ይግባእ ኢሎም።

ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ብሄራዊ ኮሚቴ ብምጥያሽ ብዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተጠናኺሩ ከመዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ብፍሬሕይወት ሰፊው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.