Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘብፀሐት ሮይተርስ ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ኣለዎም ዝበሎም ፍልፍላት ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከይትገብር ፅዕንቶ እናተገበረላ ዝፀንሐ ይኹን እምበር እስራኤል መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝፈፀመት ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ሮይተርስ ኣብ ፀብፃቡ ኣሜሪካ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዛዕባ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሓበሬታ የሃልዋ እምበር መጥቃዕቲ ኣብ ምፍፃም ከምዘይተሳተፈት ገሊፁ።

ግልጋሎት ዜና ኢራን ፋርስ ብግድኡ÷ ኣብ ማእኸላይ ከተማ ኢስፋሃን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ሰለስተ ምፍንጃራት ከምዝተሰምዑ ፀብፂቡ።

ቴሌቪዥን መንግስቲ ኢራን÷ “ሰለስተ ድሮናት ኣብ ሰማይ ኢስፋሃን እናተዘዋወራ ከምዝተርኣያን ሲስተም መከላኸሊ ኣየር ኢራን ኣብ ዒላማ ብምእታው ከምዘዕነወንን ገሊፁ።

እስራኤል÷ ኣብፂሓቶ ብዛዕባ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕዚ ዝበለቶ ነገር የለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.