Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ካብ ኢራን ዝተፈነዉላ 300 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ከምዘፈሸለቶም ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ካብ ኢራን ዝተፈነዉላ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ባዕላን ምስ ሓገዝታ ብምዃን 99 ሚኢታዊ ክተፍሽሎም ከምዝኸኣለት ኣፍሊጣ።

ይኹን እምበር ኣብ ግዝኣታ ትሑት መጠን ዘለዎ ደብዳብ ከምዝተፈፀመን በዚ ድማ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ካምፕ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ከምዝተወቕዐን ሓንቲ ህፃን ከምዝቖሰለትን ገሊፃ።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምጅማራ ስዒቡ ሓበሬታታት ተኸታቲሎም እናወፅኡ ይርከቡ።

እስራኤል እዝተፈነወላ ካብ ዝርከብ መጥቃዕቲ ዝተልዓለ ክልል ኣየራ ሙሉእ ሙሉዝ ከምዝዓፀወት ተሓቢሩ።

ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ንዘይተወሰነ ግዘ ናይ ኣየር ወሰነን ዝዓፀዋ እንትኾና፤ ሶሪያ፣ ኢራቕ፣ ዮርዳኖስን ግብፂን ኣየር ክልለን ብግዚያዊነት ብምዕፃው ልዑል መጠንቀቕታ ኣዊጀን።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ መጥቃዕቲታት ድሮንን ሚሳኤልን ብተወሳኺ፤ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝፈፀመት እውብ ተገሊፁ።

መብፅሒአን ናብ እስራኤል ዝገበራ ድሮናት ኢራን ምሸት ኣብ ሰማይ ኢራቕ ብበዝሒ ዝተረኣያ እንትኾና፤ ከዋኽክብቲ እምበር ድሮናት ዘይመስላሉ ምስሊ ማዕኸን ዜና ኢራን ታዝኒም ሕዚ ወፂኡ።

ፍልፍል ዜና ኢርና ከምዝፀብፀቦ እንተኾይኑ፤ ኢራን ናብ እስራኤል ባላስቲክ ሚሳኤላት ምውንጫፍ ጀሚራ ኣላ።

ትማሊ ምሸት መጥቃዕቲ ዝጀመረት ኢራን ልዕሊ 300 ሰብ ኣልባ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ናብ እስራኤል ኣወንጪፋ።

ይኹን እምበር እተን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን ሚሳኤላትን ኣየር ክልል እስራኤል ቅድሚ ምጥሓሰን ብሓይሊታት ምክልኻል እስራኤልን ሓገዝታ ኣሜሪካ፣ ብሪታንያ፣ ፈረንሳይን ዮርዳኖስን ከምዘፈሸሉዎም ሓደ ላዕለዋይ ሹም ምክልኻል እስራኤል ንዘ ታይምስ ኦቭ እስራኤል ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.