Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባታት ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ከንቲባታት ኣፍሪካ ልውውጥ ልምዲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ባህርዳር፣ ኣዳማን ደሴን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ከንቲባታት ኣፍሪካ ልውውጥ ልምዲ ኣካይዶም።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪኑሚ ኣዲንስያ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ከተማትት ንነበርተን ምቹዋት ንምግባር ዘኽእል ልቓሕ (ፈንድ) ምቕራብ ከምዝጅምር ገሊፆም።

ከተማታትን ከንቲባታትን ኣፍሪካ ካብ ድሌት ህዝቢ ዝፈልፈለ ፅባሕ ኣብ ግምት ዘእተዉ ነዋሕቲን ንወለዶ ዝሳገሩ ዘላቒ ኣሰር እናዕረፉ ክጓዓዙ ከምዝግባእ እቶም ከንቲባታት ተዛሪቦም።

ኣብቲ ልውውጥ ልምዲ ዝተኻፈሉ ከንቲባታት÷ ከተማታት ንነበርተን ምቹዋት ብምግባር ምግልጋል ብትኹረት ክስረሐሉ ይግባእ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.