Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ሃገር ለኸ መዓልቲ ሓምለዋይ ዓሸራ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ሃገር ለኸ መዓልቲ ሓምለዋይ ዓሸራ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ መዓልቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ንባዕልና ካብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናሓለና ሓምለዋይ ዓሸራና ነቕምጥ” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት 20 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር እናሰርሐት ምዃና እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ እዚ ዓመት ድማ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ተሃቂኑ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሞንጎ ዝተተኸሉ ፈልሲታት እቶም 84 ሚኢታዊ ዘዝኾኑ ከምዝፀደቑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብዚ ዓመት ድማ መንግስታት ፌዴራልም ክልልን በሓባር ብምዃን እቲ ትልሚ ንምዕዋት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ዜና ምክትል ከንቲቫ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብምዃን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናካየዱ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.