Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ሪፎርም ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣብ ምድላው ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ሪፎርም ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣብ ምድላው ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ቀዳማይ ሪፎርም ዝተረኸቡ እወንታዊ ተመክሮታት ብምጥንኻር ዝተርኣዩ ማሕልኻታት ምፍታሕ ኣብ ዘኽእል መገዲ ይዳሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ምስ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ምስንዳእ እቲ ሪፎርም ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ዕደና፣ ቱሪዝም፣ ፋይናንስ፣ ኣታዊን ካልኦት ዓውዲታት ኢኮኖሚን ዕብየት ከምዝተርኣየ ተገሊፁ።

ናህሪ ዋጋ፣ ኮቪድ 19ን ሃገርና ዘጋጠማ ኲናትን ከምኡውን ናይ ሩሲያን ዩክሬንን ኲናት ዕንቅፋታት ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ፥ ካልኣይ ሪፎርም ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ካብ 2016 ዓ.ም ክሳብ 2018 ዓ.ም ዝትግበር ኢዩ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.