Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ብዘሃ ቋንቋ ካሪኩለም ብዝተዛመደ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ብዘሃ ቋንቋ ካሪኩለም ብዝተዛመደ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ብመሰረት ሓዱሽ መፅናዕቲ ሰርዓተ ትምህርቲ ብኣፋን ኦሮሞ ቋንቋ ኣዶ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ኣምሓርኛ ከም ተወሳኺ(ካልኣይ) ቋንቋ ንክወሃብ
  2. ብኣምሓርኛ ቋንቋ ኣዶ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ድማ ኣፋን ኦሮሞ ከም ተወሳኺ(ካልኣይ) ቋንቋ ንክወሃብ
  3. ካብ ሻውዓይ ክፍሊ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቋንቋ ምምሃሮም ከምዘለዎ ኮይኑ ኩሎም ዓይነታት ተምህርቲ ብእንግሊዘኛ ምምሃር ንክኽእሉ ንክግበር
  4. ንታሽዓይን ዓስራይን ክፍሊ ተምሃሮ ዓረብኛን ፈረንሳይኛን ብብርኪ ካልኣይ ብርኪ ከም ኣማራፂ ትምህርቲ ኮይኑ ንክቕፅል
  5. መዋእለ ህፃናት መጀመሪ ዕድመ ካብ 4 ዓመት ንክኸውን
  6. ብመሰረት ሓዱሽ ማዕቐፍ ስርዓተ ትምህርቲ 11 ን 12 ክፍሊ ናይ ስራሕን ቴክኒክን ትምህርቲ ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ንክመሃሩ ብመሰረት ዘቐምጦን ልዑል ሃፍቲ ዝደሊ ስለዝኾነ ምስ ኮሌጃት ቴክኒክን ሙያን ብክላስተር ብምውዳድ ንክወሃብን ብምሰረት ዝተፀንዐ መፅናዕቲ ናብ ህንፀት ንክእቶ ንክግበር
  7. ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ሕፅረት መፃሕፍቲ ንምቕራፍ ብሽይጣት ንምቕራብ ንሕትመት መፃሕፍቲ ተወሳኺ በጀት 250 ሚሊየን ብር ተዘዋዋሪ ፈንድ ንክፍቀድ ውሳነ ኣተሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ክልለ ኦሮሚያ ንቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ መምሃሪ ብውሕስና ተወሲዱ ተግባረራዊ እንትግበር ዝነበረ ሰርዓተ ትምህርቲ ብሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ዝትካእ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.