Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቤንዚን ወፃእ ዋጋ ፍርያታት ነዳዲ ብዘለዎ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 1 ግንቦት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ቤንዚን ወፃእ ዋጋ ፍርያታት ነዳዲ ብዘለዎ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ካብ እዋን ናብ እዋን እናተርኣየ ዝመፅአ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ መበገሲ ብምግባር ኣብ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ቤንዚን ጥራሕ መጠነኛ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።

ብምዃኑ ድማ ካብ 1 ግንቦት 2016 ምሸት ሰዓት 6፡00 ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዘሎ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ፃዕዳ ናፍጣ፣ ኬሮሲን፣ ኣይሮፕላን ነዳዲ፣ ቀሊል ፀሊም ናፍጣን ከቢድ ፀልም ናፍጣን ብዘለዎ ክቕፅል ኢዩ።

ብመሰረት እዚ:-

ቤንዚን ……………………………………… ንሊትሮ ብር 78.67

ነጭ ናፍጣ………………………………… ንሊትሮ ብር 79.75

ኬሮሲን …………………………………… ንሊትሮ ብር 79.75

ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲ ………………… ንሊትሮ ብር 70.83

ቀሊል ፀሊም ናፍጣ…………………… ንሊትሮ ብር 62.36

ከቢድ ፀሊም ናፍጣ…………………. ንሊትሮ ብር 61.16 ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.