Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወረር ግብረ ራዕዲ ህውሓት ናፃ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት ዝርከቡ  ሆስፒታላት ግልጋሎት ንክህቡ ኣድላይ ምትሕብባር ከምዝገብር ቢሮ ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወራር ግብረ ራዕዲ ህውሓት ናፃ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት ዝርከቡ  ሆስፒታላት መሊስካ ንምህናፅን ናብ ስሩዕ ስራሕቶም ተመለሶም ግልጋሎት ክህቡ ንምግባርን ኣድላይ ምትሕብባር ከምዝገብርን፤ ናውትታት ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝርከብን ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡

እቲ ግብረ ራዕዲ  ኣብ ወረዳ መቄት ዝርከብ ቃዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ሸድሆ ዘዕነዎ እንትኸውን÷ እቲ ምምሕዳር ከተማ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ድጋፍ ገይሩ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ወረዳ መቄት ዝርከብ ቃዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ሸድሆ፤ ልዕሊ 35 ሚሊየን ብር ዘግመት ናውቲታት ሕክምናን መድሓኒት፤ ዓበይቲ ማሽናትን፤ ዘሪፉ ዝወሰደ እንትውን ዘይከኣሎ ድማ ኣዕኒዩ እዩ፡፡

እቲ ትካል ብሰንኪ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝዘረፎም ናውቲታት ሕክምና ንኣዋርሕ ግልጋሎት ሕክምና ተቋሪፁ ምፅንሑ ዝተገለፅ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ቁፅሮም ዘይናዓቁ ወገናት ሂወቶም ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

ቢሮ ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ሆስፒታል ግልጋሎት ንክህብ ዘኽእሉ ናውትታት ሕክምናን፤መድሓኒትን ብድጋፍ ኣበርኪቱ ኣሎ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.