Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፍርያት ወርቂ 63 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2016 ካብ ፍርያት ወርቂ 63 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ሚኒስቴር መዓድን ገምጊሙ፡፡

ኣብቲ ርብዒ ዓመት 996 ነጥቢ 1 ኪሎ ግራም ወርቂ ንምርካብ ተሓሲቡ 719 ነጥቢ 6 ኪሎ ግራም ብኹባኒያ ተመሪሑ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ምእታዉ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ፀገም ፀፅታን መሰረተ ልምዓትን ምህላዉ ዝድለ ውፅኢት ከይምዝገብ ምግባሩ ኣገንዚቦም፡፡

ብብርኪ ኩባንያ ዘሎ ምፍራይ ወርቂ ኣፈፃፅምኡ 78 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ብባህላዊ ምፍራይ ወርቂ ዘሎ ኣፈፃፅማ 22 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ርብዒ ዓመት ካብ ፍርያት ወርቂ 112 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ንምርካብ ተሓሲቡ 63 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ብየሻምበል ምሕረት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.