Fana: At a Speed of Life!

ኬንያ ኣፍሪካውያን ብዘይቪዛ ናብ ግዝኣታ ንኽኣትዉ ክትፈቅድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ኣፍሪካውያን ብዘይቪዛ ኣብ ግዝኣታ ምንቅስቓስ ንኽኽእሉ ክትፈቅድ ምዃና ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዊሊያም ሩቶ ገሊፆም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት እዚ ዝበሉ÷ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰለስቲአን ተፋሰስ ሃገራት ኮንፈረንስ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ኢዩ፡፡

ኣብ መደረኦም ድማ ኬንያ እዚ ዝወሰነት ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ቅድም ክብል ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ መለክዒን ታሪፍን ቪዛ ብምስራዙ ልውውጥ ንግዲ ብልዑል ብርኪ ከምዝዓበየ ኣመልኪቶም።

ኣብ 2024 ናብ ኬንያ ንምጓዓዝ ዝሓስቡ ኣፍሪካውያን ቪዛ ከምዘየድልዮም መፅሄት ክላይሜት ቼንጅ ፅሒፉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.