Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝዓደጎም 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ቀደብ ጅቡቲ ኣጓዓዒዙ ከምዝዛዘመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ዝዓደጎ ልዕሊ 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ቀደብ ጅቡቲ ኣጓዓዒዙ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።

ናይ መወዳእታ 10ይ ዙር 500 ሺሕ ኩንታል ዩሪያ ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፀዓነት መርከብ ትማሊ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብፃሓ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኮርፖሬሽን ንክረምቲ ዝኾኑ ካብ ወፃኢ ዝዓደጎም ኤን ፒ ኤስ፣ ኤን ፒ ኤስ ቢን ዩሪያን ዝተብሃሉ ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ወደብ ጅቡቲ ናይ ምጉዕዓዝ ስርሑ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጢ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.