Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ኣብ ሓፈሻዊን ዕለዎትን ኣቢያተ ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ዑደት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ኣብ ሓፈሻዊን ዕለዎትን ኣቢያተ ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ዑደት ገይረን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዑደተን፥ መዝገባት ክሲን ኣወሃህባ ውሳነን ሓፈሻዊን ዕለዎትን ኣቢያተ ፍርዲ ከምኡ እውን ካልኦት ኣተሓሕዛ ሓበሬታ መጋባእያ ክልል ኣምሓራ ተዓዚበን፡፡

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ምስ ዳያኑን ኣባላት ማኔጅመንትን ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ ክልል 209 ኣቢያተ ፍርዲ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣብቶም ትካላት ንኣወሃህባ ግልጋሎት ዝኸውን ሕፅረት በጀትን እታወትን ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ፀገማት እታወት ንምፍታሕ መንግስቲ ፌዴራል ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ብናትናኤል ጥጋቡ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.